ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕላ ጀነሬተራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ዝተሓደሰ መቅረባይ ሰርተፊኬት፣ ቫት ምዝጋባ ሰርተፊኬት ናይ ጥሪ 2012ዓ/ም ቫት ዲክልረሽን ከቅርብ ዝክእል

2 መኸበሪ ጨረታ 20000.00 ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ብስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዙ ዝኽእሉ

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 26/06/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ  50 ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል  

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ጨረቶኦም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ ጠቅላላ 02 ፖስታ ከቅርብ ኣለዎ

6 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን 20 ሚኢታዉ ናይ ምዉሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣድራሻና ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ክፍሉ ቁፅሪ 033 እዩ

9 ንተወሳኺ ሓበሬታ 0345 59 34 11 /03 42 40 87 57 ደዊልካ  ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo