ማሕበር ኣክስዩን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ቢሮ ኣቅሑት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ

1 ሕጋዊ ፈቃድ ዘለኩምን ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤

2 ቫት ተመዝገብቲን መቅረባይነት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ብዝወፀ ዝርዝር /ስፔስፊኬሽን/ መሰረት ክተቕርቡ ትክእሉ፤

4 ሰዓራይን ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል ፤

5 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ዲክላራስዮን ከቅርብ ዝክእል፤

6 ጨረታ መክበሪ 2% ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ንዝክእል ንዝስዓሮ ንብረት 10% ዉዕሊ መክበረ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 7/03/2020ኣ.ፈ (28/6/2012 ዓም)  ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ሳልሳይ ደብሪ ምዉሳድ ዝክእል፤

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/03/2020 ኣ.ፈ (03/07/2012 ዓም) ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 12/03/2020 ኣ.ፈ (03/07/2012 ዓም) ድሕሪ ሰዓት 9:30 ይክፈት።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-405095/405069/5113 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo