ንኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ፣ ንኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት ሕትመት ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

1 ተጫረቲ ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድን፣ ናይ2012 መቅረባይነትን ዘሐደሱ ፣ቲን ናምበርን ከቀርቡ ዝኽእሉ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ዘቅርብ

2 ተጫረቲ ናይመኸበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ፣

3 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩሜንት ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 20 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ኤጄንሲ ማዕድንን ኢነርጅን ቢሮ ቁፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 11/07/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30  ምዉሳድ ይከአል

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 3፡30

6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 11/07/2012 ዓም ሰዓት 4:00

7 ጨረታ ዘሸነፉ መቅረብቲ ንዝስዓረዎ ኣቅሓ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ሸፊኖም ይወስዱ

8 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘተሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም

9 ጨረታ ሰዓራይ ንኩሉ ዓይነት ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ብዘሸነፎ ዋጋ መሰረት ጠቕሊሉ አታዊ ምስ ገበረ ኣብ 30 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር አለዎ

10 ተጫራቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ዓይነት ኣቅሓ መሰረት ምኻኖም አረጋጊፁ ከመለእ ይግባእ

11 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዝ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 30 መዓልቲ ይከዉን

13 ተጫረቲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ዋናን ቅድሕን ዝብል በበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

14 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ምዛብዕ ምሙካር ብሕጊ ዘሕትትን አብ ዝኮነ ጨረታ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

15 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344401209 ምድዋል ይከአል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo