ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብመደበኛ በጀት ቤት ፅሕፈት ማይን ማዓድንን ኢነርጅን ዝክፈል ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ ከምኡዉን ብናይ SLMP ዝኽፈል ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣቢያ ዝባን ገደና ዝስረሓ 2ተ ናይ ሓባር ዒላታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ እተን 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ ናይ ማይ ኻዕቲ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ከምኡ ዉን ነተን 2ተ ናይ ሓባር ዒላ ናይ ማይ ህንፀት ስራሕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ደረጃ 10 ደቀቅቲ ዝኮንኩም ነዞም ዝስዕቡ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ሙሉእ መረዳእታ ማለት እዉን ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ዝከፈሉም ናይ 2012ዓ/ምናይቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዝተሓደሰ

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ

3 ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

4 ተጫረቲ ብርኪ ትካል ዘቅርብ ካልኦት ሰነዳት ብኮንትራክተር ዝተመልአ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰለስተ ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓቢይ ፖስታ ብምዕሻግ ከምኡ እዉን ቴክኒካል ሰነድ አብ ዝተዳለየ ሳንዱቅ ጨረታ ትክክለኛ ግዜ ከተእትዉ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ርን ክትወስዱ ትክእሉ

6 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብቢድ ቦንድ ወይ ጥረ ገንዘብ ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ  ንእተን 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ 15001.00 ከምኡ እዉን ንእተን 2ተ ናይ ሓባር ዒላታት 3000.00 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለኩም

7 እቲ ጨረታ ካብ 24/06/2012ዓ/ም ክሳብ 15/07/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ 15/07/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ቴክኒካል ዉፅኢት ዝክፈት እንትኸዉን ድሕሪ 3ተ ቅርታ መዓልትታት ድማ ፋይናንሻ ዉፅኢት  18/07/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት ቴክኒካል ዝሓለፉ ጥራሕ ፋይናንሻል ይወዳደሩ

8 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ንነብሶም ምግጋል ኣይከኣልን

9 ተጫረቲ ሲዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ መጠን ገንዝብ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

10 መገዝኢ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ እዩ

11  እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231/03 45 50 00 05

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo