ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ናይ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት 2ይ ዘር ዕድጊት ንዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ አገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት፣ዕጥቂ ስፖርት፣ መፅሓፍቲ ፣ኣቅሑ ፅሬት፣ ሞተር ሳይክል፣ሳይክልን ፣ ቀወምቲ ንብረት፣ ብግልፂ መኪና፣ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽራሮ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤

2 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላይነት ከቅርብ ዝኽእል፤ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘወራረድኩም መረዳእታ

3 ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ዘሐደስኩምን፤

4 ኩሎም መረዳእታ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ፖስታ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ክትእትው ትኽእሉ፤

5 መኸበሪ ጨረታ 6000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ደማ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፣

6 ሰዓራይ ምዃንኩም ምስተፈለጠ ብናይ ባዕልኩም መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ንሕትመት ንቀወምቲ ንብረት 30 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብቲ ቤት ፅሕፈት ይውሰድ፤

7 ሰዓራይ ምዃንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክትኣስሪ ትክእሉን ካብ ዝሰዓርክምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረገንዘብ ወይ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ 10 ሚኢታዊ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

8 ካብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ እንተሓሊፉ ኣብ ውሽጢ 1 መዓልቲ 0.01 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ኣታዊ እተቅርብዎ ዝቅፅዑ ኮይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ዝሰዓርዎ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ ፈፃሚ ኣካል ውዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፤

9 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ/ ምም/ር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ሒዝኩም ክትወስዱ እናሓበርና ፤

10 ተጫረቲ ካብ 26/06/2012ዓ/ም -11/07/2012 ዓ/ም ካብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንብረትን ክወስዱ ይኽእሉ።

11 እቲ ጨረታ 11/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ረፋድ ይኽፈት።

12 ንሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ስራሕ ክምላእ ይግባእ፤

13 እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 45 50 01 49 /03 45 50 01 50

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo