ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ብመሰረት ዝተመደበሉ በጀት ነቲ ትካል ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ

1 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈሊ ግብሪ ዘለኩም፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 ብትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 ናይ ወርሒ ጥሪ 2012ዓ/ም ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰነድ መወዳደሪ ሽም ፣ ክታም ናይቲ ትካል ማህተምን ኣድራሻን ክዕርፍሉ ይግባእ።

7 መኸበሪ ጨረታ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ህንፃ መሳርሒ 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ።

8 ተጫረቲ ንውዕሊ መኸበሪ ንሓደ ወርሒ ዝኽፈል 10% ገንዘብ ክተትሕዙ ትኽእሉ፤

9 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 26/06/2012ዓ/ም ክሳብ 11/07/2012ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይን ሳንዱቅ ጨረታ 11/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ይኽፈት።

10 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፈይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 6 እናመፃእኹም ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም።

11 ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0347-711227 /03 47 71 16 68 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo