ቤት ፅሕፈትን ልምዓት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጅን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2008 በጀት ዓመት ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ማይ ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ልምዓት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጅን ወረዳ ወልቃይት

ቤት ፅሕፈትን ልምዓት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጅን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2008 በጀት ዓመት

ሎትሓደ 19 ናይ ሓባር ዒላ ኣብ ጣብያ ጣብያ ሰላም ኣብ ዘተብሃለ ቦታ

ሎት 2 ቅብብሎሽ ምስ መትረቡ ኣብ ጣብያ ዓዲ ፍልሖ ቅብብሎሽ ምስ መትረቡ ጣብያ ሰላም ሓደ ቅብብሎሽ ምስ መትረቡ ጣብያ ሩባ ሎሚ ሓደ ቅብብሎሽ ምስ መትረቡ ጣብያ ሰላም ሓደ መትረብ ጥራሕ  ብናይ ዘለቂ ልምዓት ሽቶታት ንምስራሕ ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ማይ ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ብመሰረት እዚ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረ ቋሒ

  1. ኣብ  2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. ኣብ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር ን ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫትን ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ኣታዊ ዝገበረሉ ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  5. ካብ ሚኒስቴር ሃፍቲ ማይ ወይድማ ካብ ክልል ቢሮ ሃፍቲ ማይ ዝትዉሃቦም ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. እቲ ሰነድ ከይተነፃፀለ ናይ ተጫራታይ ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
  7. ነቲ ዝካየድ ጨረታ መክበሪ ዉዕሊ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንነፍስወከፍ ቅብብሎሽ ምስ መትረቡ 16000 ቅርሺ  ንመትረብ ከምኡን  ሓባር ዒላ 3000 ቅርሺ ንነፍስወከፎም ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ወይዉን ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  8. እቲ ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ካብ 23 ታሕሳስ 2008 ዓም  ክሳብ 09 ጥሪ 2008 ዓም ኣብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን እናወሰዱ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ  ተፃሒፉ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ  ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም
  10. እቲ ጨረታ 09 ጥሪ  2008 ዓ ም  ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30  ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሞባይ  ቁፅሪ 0914498497  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo