ኣብ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ማእከል ምርምር ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግአዚ ቢሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ማሽነሪ ፣ ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማእከል ምርምር ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግአዚ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ/ሕዳርን/ታሕሳስን  2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ኣብ ቤት ዕዮን መንግስትን ዝፍፀም ዕድጊት ንምስታፍ ዝርዝር መቅረብቲ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 24/06/2012ዓ/ም ንሕደሕድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ብምክፋል ካብ ማእከል ምርምር ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግአዚ ከ/ስ/ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ንኡስ ጉጅለ ዕደጋ ሰነድ ብምዉሳድ ዝወዳደርሉ ዋጋ መሊኦም ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገሉ ፖስታ ሽሞሙን ኣድራሻኦምን ፂሕፎም ፌርማን ማህተምን ጌሮም ዋናን ቅዳሕን ነፂሮም ነንበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ  14/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ኣታዊ ክገብሩ አለዎም

6 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንጨረታ መኸበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ቅርሺ  ፣ ማሽነሪን ኤሌክትሮኒክስ 15001 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ማእከልና ማእከል ምርምር ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግአዚ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ዋጋ ዝምለአሉ ሰነድ ጨረታ በቲ ማእከል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ክክዉን ይግባእ

8 ሰዓራይ ምካኖም ካብ ዝተገለፀለም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10% መኸበሪ ዉዕሊ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ማእከል ከቅርቡ ዝክእሉ

9 እቲ ጨረታ 14/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ  ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ማእከል ምርምር ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግአዚ ከ/ስ/ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ይክፈት

10 እቲ ማእከል ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ ንክግዛእ ዝወፀ ኣቅሓ 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ

11 ጨረታ እንትክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኮልም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 እቲ ማእከል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ

ንተወሳኪ ሓበሬተ 03 41 40 69 11 /03 41 40 65 74

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo