3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ አብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ኮረም ዝረከብ ከይዲ ስራሕ መንገድን ምዕባላን ምምሕዳርን ኣብ ናይ 2012 ዓም በጀት ዓመት ኣብ ቀበሌ 02 ዝረከብ ካባቢ ሓዉስዋ ክሳብ ኣቢቲ ዱንካን ዝስራሕ ድሬንጅ ምስ ስላብ ብመፍለይ ቁፅሪ kor /cw/dr/01/12 ብብርኪ 8 ፈቃድ 8 GC RC ደቀቅ BC ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ኮንስትራክሽን ማሕበርትን ወልቀ ዳኣንትን ብግልፂ ኣጫሪቱ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ኮረም

1 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ደረጃ 8 GC RC ደቀቅ BC ኣናእሽተይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ : ፍቃድ ስራሕ ንግዲ : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት : ናይ ዝሐለፈ 3ተ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ : ምዝገባ ከፋላይነት ግብሪ ካብ ልምዓት ዳእንትን ምግቢ ዉሕስና ዝተዉሃበኩም : ናይ ዳኣንት ወረቀት ምስክር

2 ዉሕስና ጨረታ ብቤራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈላለዩ ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዝብ ክፍሊት መአዘዚ ወይድማ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዝብ 10,000 ክትሕዝ ዝክእል ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ከተማ ኮረም ኣታዊ ገይርኩም መረዳእታ ሒዝኩም ክትቀርቡ አለኩም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልቲታት ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 20/06/2012 ዓም ክሳብ 09/07/2012 ዓም ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራሽን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ኮረም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ኮረም ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ሰነድ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ከቅርብዎ ዝግባእም ዝርዝር መዓቀኒ ረቆሒ መጠቃለሊ ድማር ዋጋ ዲዛይንን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ በብይኑ ዓሺጎም ከቅርቡ አለዎም

6 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ደረጃ 8 GC RC ደቀቅ BC ኣናእሽተይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሐለፈ 3ተወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝፈለጥሉ መረዳእታ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ከፋላይ ግብሪ ካብ ልምዓት ደኣንት ምግቢ ዉሕስና ዝተዉሃቦ ወረቀት ምስክር ደኣንት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ስፒኦ ሰነድ ዝገብሊት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ማሕበር ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ሽም ኣቦ ወንበረን ማሕተምን ብዝርአ ቐለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 10/07 /2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዐታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ ሰነድ እንተይኣዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ገይሮም ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 10 /07 /2012 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፀዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሪ ቁፅሪ 35 ወይ 37 ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 45 51 00 15 /0975 48 56 57/ 09 68 89 99 55

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo