ለምለም ወልቃይት ሓለፍለነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሓረስቶት ሕብረት ስራሕ ዩኒየን ኣብ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመፅ ኣብ 700 ካሜ ንቤት ዕዮ ግልጋሎት ዝዉዕል G+1 ማለት እዉን በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ ከስርሕ ስለዝደለየ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ናይ ጂሲ ፍቃድ ዘለኩም ኮንትራክተራት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ኮንትራክተራት ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት

ለምለም ወልቃይት ሓለፍለነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሓረስቶት ሕብረት ስራሕ ዩኒየን
  1. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዋናን ቅዳሕን
  2. 2007ን 2008ን በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ዉሽጢ ኣታዊ ዝገበርሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. መከበሪ ጨረታ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ 100,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ንዘትሕዙ ተጫረቲ ድማ ብሽም ለምለም ወልቃይትሓለፍነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሓረስቶት ሕብረት ስራሕ ዩኒየን ኣስሪሕኩም ክተቅርቡ አለኩም
  5. ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ዉዕሊ ኣብ ዝኣሰረሉ እዋን ሰዓራይ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚኢታዊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብሲፒኦ ከትሕዝ አለዎ
  6. ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ኣብ ዉሽጢ 240 ተከታተልቲ  ናይ ስራሕ መዓልትታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
  7. ሰዓራይ ምስተገለፀ ኣብ ዉሸጢ 5ተ ተከታተልቲ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ዕዮ ለምለም ወልቃይት ሓለፍለነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሓረስቶት  ሕብረት ስራሕ ዩኒየን ወረዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመፅ መፂእኩም ዘይምለስ  20 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 19 ታሕሳስ 2008 ዓም ጀሚርኩም ምውሳድ ትክእሉ
  9. ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 19 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 3 ጥሪ 2008 ዓም  ኣብ ዘለዉ ተከታተልቲ መዓልትታት ኮይኑ ተጫረቲ ዋጋ መሊኦም ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ኣብ ነናይ ባዕሎም ፖስታ ብምዕሻግ  ዋናን ቅዳሕን ኢሎም ብምፅሓፍ ፊርማን ማህተምን ብምግባር ኩሎም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ መሊሶመ ብምዕሻግ ኣብቲ ቤት ዕዮና ዝተዳለ ሳንዱቅ  ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም
  10. እቲ ጨረታ 3 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዮ ብተመሳሳሊ ዕለት 3 ጥሪ 2008 ዓም  ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተወዳደርቲ ወይም ሕጋዊ ወከለቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ዘድሊ ረቀሕታት አማሊኡ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣእቲዮ ብኣካል ናይ ዘይተረከቡ ተወዳደርቲ እዉን ዝክፈት ይከዉን
  11. ዝተሓተ ዋጋ ዘቅረበ ተጫራታይ  ሰዓራይ ይከዉን
  12. እቲ ዩኒየን ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344330005 /0914041884 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo