ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ን ቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ካብ ሕጋዊያን ትካላት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

1 ጨ.ቑ.ቢ.ር.ህ.ክ.ት/ኣቅ -06/2012 ናይ መብራህቲ ጀነሬተር

መኸበሪ ጨረታብር 10000.00 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሐዙ ዝክእሉ

1 ናይ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ቫት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት ፣መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ኣብ ዝርዝር መቕረባይነትዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ/መቅረባይነት/ ከቅርቡ ዝክእሉን ኣብ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር መዐቀኒታት ዘማልኡ

2 ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 22 ካብ ዕለት 18/06/2012 ዓ/ም ክሳብ 02/07/2012ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፀኪም ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

3 ዕለት 02/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ተዓፅዩ ዕለት03/074/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል እቲ ንብረት ኣብ ሰቶክ ዘለዎን ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ክረክብ ዝክእል

5 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ - 0344-40-93-43 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo