ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ዝተፈላለዩ ንብረታት ን2012ዓ/ም ስራሕ መካየዲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጠምን ፣ ሳይክልን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም ቫት ተመዘገብቲ ምካንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 100  ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 17 /06/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06 /07/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

1 ምስቲ ንብረት ዘርፊ ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉን::

2 ዝተመዝገበሉ መለለይ ቲን ዘለዎም::

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቐት ዘለዎነ ዝክፍልን::

4 ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ናይ 2012ዓ/ም  ክቕርብ አለዎ::

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ  ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጠምን ብር 6000( ሽድሽተ ሽሕ) ሳይክል 3000 (ሰለስተ ሽሕ ) ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ዝኽእል:;

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::

8 ናይ ወርሒ ነሓሰ /መስከረም/ ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኽቕርብ አለዎ::

9 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ::

10 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ 06/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ::

11 ጨረታ ዝኽፈተሉ ሳፁን ዕለት 06/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:31 ይዕሸግ::

12 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕፋንምምር ኮይኑ ዕለት 06/ 07 /2012 ዓ/ም ሰዓት 8:32  ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ዘይተረኽብሉ እዉን ኣማሊኡ እተተረኺቡ እቲ ጨረታ ፖስታ ዝኽፈት ምካኑ::

13 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዐሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ የረክብ::

14 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተለቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ::

15 ብአሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቕፃዕ::

16 ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ዉድቂ ይኽዉን::

17 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን::

18 ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡነ ኣድራሽኡን ማህተመ ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

19 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

20 እቲ ዝቐርብ ሕድ ሕድ ንብረት ኦርጅናል ክኽዉን አለዎ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo