ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቐ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘሎ ንብረት ኔትወርክ ፋይርወል በዝሒ 1 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለ ዝድሊ ክትጫረቱ ትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ እስፔስፊኬሽን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም፤

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ተመዝገብቲ ዝኮኑ፤

2 ናይ ወርሒ ጥሪ 2012 ቫት ዲክለር ዝተገበረሉ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ውሕስና ጨረታ 5000 ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ኣብ ባንኪ ዝተውሃበ /ዝተረጋገፀ/ ቼክ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ዶክመንት ጨረታ ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 19/06/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክመንት ክትወስዱ ትክእሉ፤

5 ዶክመንት ጨረታ ፋይናሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፤

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 19/06/2012ዓ/ም ጀሚሩ /10/ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 01/07/2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይክፈት፤

7 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረትኣብ ውሽጢ 10 /ዓሰርተ/ መዓልታተ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ፤

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-410544/46 ብፖስታ 450 ምድዋል ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo