ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብስሩዕ በጀትን ናይ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ስራሕቲ ማይ ኣብ ጣብያ ዓዲ መስኖ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ክትጫረቱ እትደልዩ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ደረጃ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ ማይ ካዕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  3. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወርሓ ሒሳብ መረዳእታ እተቅርቡን
  6. ብቅዓት መረጋገፂ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዘቅርብ
  7. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  8. መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ  ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
  9. እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዉዕሊ ዝተአሰረሉ ሰሪሑ ዘረክብ
  10. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  11. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  12. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድ  ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  13. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት  100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  14. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  15. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  16. ሳንዱቅ ጨረታ 9 ጥሪ  2008 ዓም ሰዓት 3 ፡00ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት  ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  17.  መብርሂ ዝሓተተሉ ኣድራሻ  ግዘን ብፁሑፍ ምሕታት ይከኣል
  18. ድሕሪ ጨረታ ምዕፃዉ ዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት ከምዘይብሉ
  19. ጨረታ ከጭበርብር ዝፍተኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኮኑን ንሓዋሩ ዉን ከምዘይሳተፉን ናብ ዝምልከቶ ከም ዝፃሓፍን
  20. ኣብ ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ  ሽም  ክታም አድራሻ ናይቲ ትካል ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ
  21. ጨረታ ዝሰዓረ ኣካል ክሳብ ሙሉ ንሙሉእ ኣጠቃሊሉ ዘረክብ  ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዋጋኡ 10 ሚኢታዊ ፕሮፎርማንስ ቦንድ ከትሕዝ ዝክእል
  22. ሰዓራይ ጨረታ ብመሰረት ዝአተዎ  ብእዋኑ ተዘይረኪቦም ካብ ዝኣሰርዎ ዉዕሊ መጠን ገንዝብ በቢመዓልቱ  1ቅርሺ ካብ 1000 ሓደ  ናተቆረፀ  ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን  ኣታዊ ይገብር
  23. እቲ  ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344370195 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo