ኤጀንሲ ልምዓት ትካላት ንግዲ ክልል ትግራይ ናይ ሞተር ሳይክል ፣ብስክሌት ፣ዝተፈላለዩ ዓይነት ናዉቲ ቤት ፅሕፈት ፣አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ
  1. በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል
  2. ወረቀት ምስክር መለለዩ ግብሪ ከፋላይነት ከቅርብ ዝክእል
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ
  4. ወረቀት መስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታእ ከቅርብ  ዝክእል
  5. በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ኤጀንስና ደጋፊ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 1 ካብ 18 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 3 ጥሪ 2008 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይከኣል
  7. ዝቀርብ ሰነድ መረዳእታ ጨረታ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንንበይኑ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ቁፅሪ ስልኪ ናይምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑ ናይቲ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ
  8. ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መከበሪ ጨረታ ንሞተር ሳይክል 5000 ቅርሺ፣ ንብስክሌት 8000 ቅርሺ  ፣ንናዉቲ ቤት ፅሕፈት 3000 ቅርሺ ፣ንኣቅሑት ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ  ብሽም ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ብጥረገንዘብ ወይካዓ ብ ሲፒኦ ናብ ዝተዳለዎ ሳነድቅ ጨረታ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ  ምክፋቱ  ከቅርብ ይክል
  9. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ክፍሊ መጋዝን ቤት ዕዮና በቲ ዝተሓተቶ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል
  10. እቲ ጨረታ 3 ጥሪ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኤጀንሲ ልምዓተ ደኣንት ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 1 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም  ጨረታ ምክፋት አይተአጋጎልን
  11. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮይኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ርዱእ ተገይሩ ይውሰድ
  12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልትታት ይከዉን
  13. ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብከፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  14. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እጀንስና ናይ ዝግዛእ ንብረት ዓቀን ወይከዓ ዋጋ ከምኣድላይነቱ ካብ ነፍስወከፍ ዓይነት ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚኢታዊ ክንኪ ወይከዓ ክዉስክ ይክእል እዩ
  15.  ሰዓራይ እቲ ዘቅረቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400009 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo