ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ኣብ ኣላማጣ ፣ ባላ፣ ዓዲጉዶም ፣ ዶንጎላትን ብመሊስካ ምድሓን ካብ መንገዲ ፈንድ ብዝተረከበ በጀት ፅገና ንምክያድ ብብርኪ ፍቃድ ደረጃ RC7/GC7 ልዕሊኡን ዘሎዎም ተከናተርቲ ብግልፂ ጨረታኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰን ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ዘለኩም፣ ዝተሓደሰ ናይ ዘፈር ኮንስትራክሽን ፍቃድ መረጋገፂ ብቅዓት

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ zሓለፈ ወርሒ ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ካብ ሰነድ ጨረታ ምሻጥ ጀሚሩ ክሳብ ቅድሚ ሳንዱቕ ጨረታ ምዕፃዉ ቀሪቡ ከመሳክር ተዘይክእሉ ተወዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸዉን

6 ዉሕስና ጨረታ ብብሄራዊ ባንኪ ኢ/ያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ድማ  ጥረ ገንዘብ 120000.00 ብስም ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ከቅርቡ ኣለዎም

7 ተጫረቲ ናይ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ሳይት ማለት እዉን ቦታ ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90ተከታተልቲ መዓልቲ ወዲኡ ከረክብ ኣለዎ

8 ሰነድ ጨረታ ካብ 04/06/2012ዓ/ም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ቢሮ ቁፅሪ 152 2ይ ደብሪ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ክሳብ 19/06/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

10 ተጫረቲ ኣብ ዝዕድጉዎ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፌርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

11 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 19/06/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 152 ይክፈት ::

12  እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 65 59ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo