ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ን 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ኣጎልግሎት ዘዉዕሉ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት አዉን መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናዉቲ ፅሬት ፡ መሳርሒ ሕትመት፣ ናይ ምግቢ መጠዓዓምቲ ፣ መለዋወጥቲ ኣቅሑት መኪና ፣ ቀወምቲ ንብረት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም

ሆስፒታል ዓድዋ

 1 በቲ ዘፈር  ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ  ከቅርብ ዝክእልን

3 ንተወሳኪ ናይ 2012ዓ/ም  ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን

4 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 28/05/2012ዓ/ም ክሳብ 13/06/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ኣብ  ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ደ/ከ/ስ/ምም/ር/ን ይክፈት

5 ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ መኸበሪ ዉዕሊ ከትሕዘ ዝክእል ወይ ዉሕስና ካብ ዝህብ ትካል ዘቅርብ

6 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምዉሳድ ይካኣል

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ይከዉን

8 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን መራገፍን ናብቲ ሆስፒታል ከቅርብ ዝክእል እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 47 71 23 26 ደዉልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo