ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉሎ መከዳ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ንኩለን ቤት ፅሕፈታት ን 2008 በጀት ዓመት ጠቅላላ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት : ናይ ፅሬት አቁሑት : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት:ቀወምቲ ንብረት ወይ ከዓ ፈርኒቸር ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቁሑት : ናይ ሕትመት አቁሑትን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ወይ ከዓ ከፀግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጉሎ መከዳ

ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት

1. ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ፊርማ ፣ኣድራሻ ፣ማህተም ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክገብሩ ኣለዎም

  1.  ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዓዉዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣  ቲን ነምበርን ፣መቅረባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓም  ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቀርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም
  2. ናይ ፅሬት ኣቁሑት ፣ናይ ሕትመት ግልጋሎት፣ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገናን ፣ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑትን ንመቅረብቲ ዝምልከት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩ  ትክእሉ
  3. ብመሰረት እዚ ዝተዳወ  ስፐስፊኬሽን ካብ ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 50 ቅርሺ  ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
  4.  ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ንፅሕፈት መሳርሒ :ኣቁሑት ኤሌክትሮኒክስ  :መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፡  ናይ ቀዋሚ ኣቁሑት ወይድማ ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ,  ንኣቁሑት ፅሬት : አቁሑት ሕተመት : ኤሌክትሮኒክስ ፅገነና ናይ ጉልበት ዋጋ : ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑ  3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዙ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
  5. ጨረታ  ዝዕፀወሉ ዕለት 26 ታሕሳስ 2008 ዓም  ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ በቲ ዕለት  ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን  ምምሕዳር ንብረት ይክፈት እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተዳኣ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት
  6. ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 60 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ
  7. ናይ ዋጋ መግለፂ እንትመልኡ ኣብ ዝረከብኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክትመልኡ ኣለኩም
  8. በዚ መሰረት ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ተወዳደርቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ዝሓወሰ ምካኑ ክትፈልጡ ኣለኩም
  9.  ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ.ቁ ስልኪ  0344340128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo