ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝስርሑ ቼክ ዳማት፣ እስፔስ እርጌሽን ዳይቨርሽን፣ ካናል ኤክስቴንሽን ፣ምንጪ ምጉልባት ብመዐቀኒ መሰረት ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደለዩ ብዉልቀ ይኩን ብማሐበራት ዝተወደብኩም  ብብርኪ ደቂቅ ደረጃ 8 ዝኮንኩም ብዉልቀን ብሽርክናን ማሕበር ብደኣንት ዝተወደብኩም ብደኣንት ዝተዉሃበ ደረጃ ዝገልፅ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ ብናይ ማይ ኮንስትርክሽን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ቲን ነምበር ማለት እዉን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ

ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም፣ ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም፣ናይ ወርሒ ሕዳር ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ ኩሎም ዋና ምስ ቅዳሕ ኣተሓሒዝኩም ክተቅርብ እትክእሉ

ዝተማለአ ሰነድ ዋጋ መቅረቢ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ብድምር ብሰለስተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

መክበሪ ጨረታ ዝምልከት ብኢትዮዽያ ቢሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት 7000 ቅርሺ  ብሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል

ሰዓራይ ጨረታ ሰዓሪ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ መዓልቲ ድሕሪ ምዉድኡ  ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕል ክኣስር ዝክእል

ሰዓራይ ካብ ዝሰዓሮ መክበሪ ዉዕሊ 5 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል

ዝኮነ ተወዳዳራይ እቲ ቤት ዕዮ ዘዳለዎ መምርሒ ተጫረቲ ማለት እዉን ኣብ ስፔስፊኬሽን ዲዛይን ዝተቀመጠ መምርሕታት ኣሰራርሓታት መሰረት ገይሩ ክፍፅም ዝክእል

 ቀረብ ብዝምልከት ንቲ ስራሕ ዘድሊ ናዉቲ ብዘይካ ሲምንቶ ጋብዮን ኩሎም ብተወዳደርቲ ዝቀርቡ ኮይኖም ናይቲ ሲሚንቶ መጋዓዓዚ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይይ መዓድንን ኢነርጅን ንብረት ክፍሊ ናብቲ ሳይት ብተወዳደርቲ ዝጋዓዕዝ ኮይኑ ዝርዝር በቲ ኣብ መዐቀኒ ዝተቀመጠ መሰረት ስርሑ ከርክብ ዝክእል

ሰነድ ጨረታ ካብ 6 ታሕሳስ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 25 ታሕሳስ 2008 ዓም ኣብ ቤት ፅሕፈት ዕምዓት እቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ብምዕዳግ ብክልተ ቅዳሕ ተሰርሒ ዋናን ቅዳሕን ተፈሊዩ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ዋንነት ፊርማ ዘይዓረፎ እንተኮይኑ ማሕተም ዘይብሉ እንተኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

ኣከፋፍላ ኣድፋንስ ብዝምልከት 30 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣብ 3ተ ግዘ ብመሃንዲስ እንዳተረጋገፀ በቢ  10 ሚኢታዊ ዝክፈል ይከዉን ወይድማ ንዝወስዶ ልቃሕ ዝምጥን ትሕጃ ዘቅርብ እንተኮይኑ ብሓደ ግዘ ክዋሃብ ይክእል እዩ

ሰነድ ጨረታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ 26 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo