ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ስራሕቲ ንግዲ ጉና ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ስሚንቶ ዘከፋፍሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክመርፅ ስለዝደሊ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ትካል ንግዲ ጉና

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈሉን ፣ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝኮንኩምን

2 ኣብ ዘፈር ንግዲ ስምንቶ ህንፃ መሳርሕን ዝተዋፈሩ እኩል መካየዲ ስራሕ ማለት እዉን ካፒታል ዘለዎምን

3 ተጫረቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ መቐለ ከባቢ ሆቴል ኣክሱም ኣብ ዝርከብ ህንፃ ሰላም 2ይ ደብሪ ብምቅራብ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ትግራይ ምዕዳግ ይክእሉ

4 ተጫረቲ 100,000.00 መኸበሪ ጨረታ ወይ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ናይ ባንኪ ዉሕስና ቢድ ቦንድ ዉዕሊ ክሳብ ዝዛዘም ከትሕዙ ይግባእ

5 ተጫረቲ ስሚንቶ ናብ ዝሰዓርሉ ቦታ ብእዋኑ ከብፅሑ ዝክእሉ

6 ተጫረቲ እኩል መክዘን ስሚንቶ ዘለዎም

7 ተጫረቲ 10000 ን ካብኡ ንላዕለን ኣብ ወርሒ ምዕዳግ ዝክእሉ

8 እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ መዕፀዊ ጨረታ ብዘለዉ ተከታተሊ መዓልታት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ክእቱዉ ኣለዎ

9 ተጫረቲ ኩባንያና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ዋጋ ብግልፂ ብምፅሓፍ ብፌርማ ብምርግጋፅ ምስ ሰነድ መኸበሪ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 25/05/2012ዓ/ም ክሳብ 30/05/2012 ልክዕ ሰዓት 5፡00 ቅ/ቀትሪ ከትሕዙ ኣለዎም

10 ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 30/05/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 5፡30 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ትግራይ ይክፈት

11 ሰዓርቲ ጨረታ ኣብ ዘትሐዘዝዎ ቦታ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ኣለዎም

12 ኩባንያና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo