ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር መንገዲ ስራሕቲ ፕሮጀክት ኣብ መቀለ ከተማ ንዝስራሕ ዘሎ ኣስፋልት መንገዲ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ንዉሓቱ 6ተ ሜትሮ ዝኾነ ፒቪሲ ፓይፕ ዲያሜትር 80 (PVC PIPE 80) በዝሒ 81 ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንምዕዳግ ይደሊ

ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

በዚ መሰረት ካብ 21/05/2012ዓ/ም ክሳብ 14/06/ 2012ዓ/ም ን ተኸታታሊቲ 25 መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸዉን ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት መቀለ ከተማ ቀበሌ 06 ኣብ ዝርከብ ናይ ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ዉ/ማሕበር  መቐለ ከተማ መንገዲ ስራሕ ፕሮጀክትቢሮ 4 ብምምፃእ በዓል 4ተ ገፅ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ዝተሓደሰ ናይ 2012ዓ/ም ዘመን ንግዲ ፍቃድ፣ ንግዲ ምዝገባ ፣ ቲን ቁፅሪ ከምኡዉን ናይ ቫት ተመዝጋብትን ምኻኖም ከቕርቡ ይግባእ

2 ናይ ታሕሳስ ወርሒ ሒሳብ ቫት ሪፐፖርት ቫት ዲክለሬሽን ከቅርቡ ኣለዎም

4 አብ ተቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 50,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ጥራሕ ብሽም ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ፕሮጀክት ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፤

6እቲ ጨረታ 15/06/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ኣብመቀለ ከተማ ቀበሌ 06 ኣብ ዝርከብ ናይ ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ዉ/ማሕበር  መቐለ ከተማ መንገዲ ስራሕ ፕሮጀክትቢሮ 4 ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣይክፈት።

7 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ 09 45 09 46 28/ 09 12 04 95 04 /09 13 50 81 32 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo