ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2008 በጀት ዓመት ብናይ ኤችዲፒ በጀት ኣብ ጣብያ ዓዲፍልሖ ቁሸት ኣምቦ 9 ፣ቁሸት ቆልቆላ 9 ብጠቅላላ 18 ናይ ሓባር ዒላ ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ማይ ስራሕ ፍቃድ ዘለዎም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

ብመሰረት እዚ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረ ቋሒ

  1. ኣብ 2007 ን 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. ኣብ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር ን ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫትን ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ዓዲ ዉሽጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  5. ካብ ሚኒስቴር ሃፍቲ ማይ ወይድማ ካብ ክልል ቢሮ ሃፍቲ ማይ መዓድንን ኢነርጅን ዝትዉሃቦም ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. ነቲ ዝካየድ ጨረታ መክበሪ ዉዕሊ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንሕድሕድ ሓባር ዒላ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ወይዉን ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  7. እቲ ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ነቶም ቅድም ኢሎም ዝተገለፁ ረቀሕታት ከማልኡ ዝክእሉ መቅረብቲ ኣብቲ ጨረታ ክወዳደሩ ይዕድም
  9. ሰነድ ጨረታ ካብ 11 ታሕሳስ 2008 ዓም  ክሳብ 26 ታሕሳስ 2008 ዓም ኣብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን እናወሰዱ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ  ተፃሒፉ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ  ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም
  10. እቲ ጨረታ 26 ታሕሳስ  2008 ዓ ም  ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30  ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 

እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታን እዋንን ኩሉ ሕብረተሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ ንዕድም

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሞባይ  ቁፅሪ 0914498497  0913752211 0913870684 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo