ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ነቲ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝ/ዩ ንብረት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ፣ ናይ ማይ ቱቦታትን መገጣጠሚታትን ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑ፣ ናይ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑ ጀነሬተራት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ ሽራሮ

1 ሙሉእ መረዳእታ ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ከፊሎም ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ፣ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምካንኩምን፣ ናይ ወርሒ ሕዳር ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳትን ቅዳሕ ክተምፅኡ ትክእሉ ፤

2 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ከ/ዕ/ፋ/ምም/ንብ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ፤

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ንኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ መሳርሒ ህንፃ ናይ ማይ ቱቦታትን መገጣጠሚታትን 15000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑ ናይ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑ ጀነሬተራት፣ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም፤

4 እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ 20/05/2012ዓ/ም ክሳብ 04/06/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ፤

5 ጨረታ 04/06/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንግሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ይክፈት፤

6 ተጫረቲ ስዒሮም ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሎም ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ክከውን ኣለዎ፤

7 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-500342//0914-278106/ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo