ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ናይ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሃፍቲ ማይ ማዕድንን ኢነርጅን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ጣብያ ሞጉእ ቁሸት ታሕታይ ሞጉእ ፍሉይ ቦታ ተዉለ መብይ ኣብ ዝተባሃለ ቦታ ሓደ ፓምፕ ሪጌሽን ካብ መደብ ዕብየት ሕርሻ ክልተ ብዝተረከበ በጀት ብደረጃ 9ተን ካብኡ ንላዕልን ናይ ማይ ተንከፍ ትካላት ንግዲ ዘለዎም ኮንትራክተራት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

1 ናይ 2012ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓሰደ መቅረብቲ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል:

3 ናይ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክለሬሽን ዠገበረሉ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ካብ ሚኒስተር ሃፍቲ ማይ ካብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ ዝተዋሀቦም ደረጃ 6ተን ካብኡ ንላዕሊን ብቅዓት መረጋገፂ

5 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ 7000.00 ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

6ሰዓራይ ናይ ዘሸነፎ ንብረት 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝከእል

7  ፓምፕ ሪጌሽን ዝምልከት ካብ ዕለት 14/05/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/05/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን ዋጋ ዝተመልአ ጥራሕ በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም ፡፡

8 እቲ ጨረታ 25/05/2012 ዓም ሰዓት 8:30 ድ/ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ናይ ድ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት፤

9 እቲ ስራሕ በዓላት ሓዊሱ ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልትታት ዝዉድእ

10 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913331379ብሞባይል 0918034591 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo