አብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ዋና ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምምዕባልን ምምሕዳርን ኣብ 2008 ዓም ካብ ናይ MDG በጀት ንዝሳለጡ 15ተ ናይ ኢራፕ ህንፀት መንገዲ ፕሮጀክት ናይ ቁፅፅርን ኮንትራት ምምሕዳር ስራሕቲ ኣማከርቲ ብምዉድዳር ክሰርሕ ስለዝደለየ ብሳይወይ ኤንድ ብሪጅ ኮንሳልተንሲ ብኢንጂነሪንግ ኮንሳልተንሲ ብብርኪ ካታጎሪ 5 ልዕሊኡን ካታጎሪ 6 ልዕሊኡን ካታጎሪ ፒፒን ልዕሊኡን ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ኣማከርቲ ንክወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ኮንስራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ከማልኡ ኣለዎም

  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ
  2. ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት
  3. ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት
  4. ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ መለለዩ ቁፅርን ዘለዎም
  5. ዝተሓደሰ ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ወይ ኣብ ካልእ ክልል ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. ናይ ጨረታ ዉሕስና ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮዽያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መክበሪ ጨረታ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም
  7. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ መለትዉን መንገዲ መስመራት ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ሕድሕድ ፕሮጀክት ግዜ ስራሕ ሙሉእ ንሙሉእ ስራሕቲ እንደተከታተሉ ክሰርሑ አለዎም
  8. ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 11 ታሕሳስ 2008 ዓም ጀሚሩ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 211ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ እዮም
  9. ተጫረቲ ናይዚ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ፋይናንሻል ቴክኒካል ሰነድን ሕድሕዶም ድማ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን፣ ሰነድ ጨረታ፣ ዉሕስና ጨረታ ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ተኮናታርነት ምዝገባ ካርድን ፣መለለዩ ግብሪ ከፋላይ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ፣ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖሰታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ሽም ዝተጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 211 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 11 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፣00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም
  10. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርብ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም
  11. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 11 ጥሪ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 11 ጥሪ 11 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 4፡ 30 ቅድሚ ቀተሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 211 ይክፈት
  12. እቲ ጨረታ ኣብ ዝተሓተ ዋጋ ዝተመስረተ መረፃ ዕደጋ ኮይኑ ዝተሓተ ናይ ናይ ቴክኒካለ ዉፅኢት ድማ 70 ሚኢታዊ ይከዉን
  13. እቲ ከይዲ ስራሕ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 211 ብኣካል ብምቅራብ ወይድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344410645 ወይድማ  0344400043 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo