ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ዝርከብ ዳይሬክቶሬት ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ናይ 2012 በጀት ዓመት ናይ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይማይ መጠራቐሚ ገንኢ ስራሕቲ ንምስራሕ ብደረጃ 9ተ ብርኪ ፍቃድ ደቀቕቲ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራከሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ መቀለ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተወሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቐት ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራኽሽን ተኮናታሪነት ምዝገባ ካርድን ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፊኬት ቲን ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለሬሽን

2 ተጫረቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ደቐቕቲ ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይኽእሉ እዮም

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝወሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ብር 7000.00 ከቅርቡ ኣለዎም

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይር ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክብ ኣለዎም

5 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 08/05/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 103 ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋለ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ እዮም

6 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከኽሉ 28/05/2012ዓ/ ልክዕ ሰዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቀፅሪ 103 ክኽፈት እዩ

7 እቲ ከይዲ ስራሕ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ዝርከብ ዳይሬክቶሬት ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 103 ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 03 44 41 08 72  ብምድዋል ምርካብ ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo