ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይነን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2008 በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ኣብ ቀበሌ 03 G+1 ኣዳራሽ ስራሕቲ ህንፀት BCን GCን ደረጃ 7 ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

ተጫሪቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሕታት ከማልኡ ኣለዎም

  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ
  2. ካብ ቢሮ ወይከዓ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይነን ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገበለሉ መረዳእተታ ወረቀት ምስክር ፣መለለዩ ቁፅሪ ግብረሪ ከፋላይነት ወረቀት ፣ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  3. ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
  4. መክበሪ ጨረታ 120,000 ኮይኑ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ መልክዕ ዘቅርብ ኮይኑ ብቢሄራዊ ባንኪ ኢትዮዽያ  ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባነኪታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ወይከዓ ብጥረገንዘብ  ከቅርብ ዝክእል
  5. ተጫረቲ ናይቲ ትጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 180 ተከታተልቲ መዓልትታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
  6. ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይነን ኮንስትራክሽንን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረተታ  120 ቅርሺ ብመክፋል ካብ 17 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ  ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይነን ኮንስትራክሽንን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም
  7. ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝመልእዎ  ዶክመንት ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ መክበሪን ካብ ቢሮ ወይ እቲ ቤት ፅሕፈት ቁፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተርነት ምዝገባ ካርዲ መረዳእታ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ቲን ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለረሽን ዝተገበረ ምካኑ ዘቅርብ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእልን ኩሎም ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖሰታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖሰታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም  ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ  ነቲ ጨረታ ተባሂሉ  ኣብ ክፍሊ ቁፅሪ 2  ናብ ዝርከብ ሳንዱቅ ክሳብ 18 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ  ብኣካል  ወይድማ ብሕጋዊ  ወከልቶም ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም
  8. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረደዲኦም ዋጋ ብምምላእ ኣብ ነፍስፈከፍ ገፅ ፈሪሞምን ማሕተም ምብዕራፍ እቲ ሰነደ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከይጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም
  9. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 18 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት   ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ  ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይነን ኮንስትራክሽንን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ይክፈት
  10. እቲ ከይዲ ስራሕ  ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344442280 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo