ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ አቁሑት ማለት እዉን ንብረት ብምድብ ማለት LOT መቒሉ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

ምድብ-1  /LOT -1 : - ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት

ምድብ- 2  /LOT -2   ቐዋሚ ንብረት ፈርኒቸር

ምድብ- 3  /LOT -3   ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑትን አናእሽተይ ቀወምቲ ንብረታትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩክዕድግይደሊ ስለዚ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ  VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽርወረቐትሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንክልቲኡ ምድብ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንምድብ 3 /LOT -3  ንምድብ 1 /LOT -1 ንምድብ 2 /LOT -2 ድማ አብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ  ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ንብረት ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉንይግባእ::

7 ተጫረቲን ዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ነጨረታን ምድብ- 1 /LOT -1/  ምድብ- 3 /LOT -2/ ን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 40. 00  /ኣርብዓ ብር/ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ  317  ካብ  7 /4 /2008 ዓ/ም ክሳብ 21/ 4/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ምድብ- 1 /LOT -1/  ን ብር 5500.00 /ሐሙሽተ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢትን ብር / ምድብ- 2 /LOT -1/ ን ምድብ- 3 /LOT -3/ ድማ ንሕድሕድ 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር /  ብሽም ቢሮፍትሒ ክልል ትግራይ  /Bureau of Justice/ ብ  CPO ወይ ብ ስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 21 /4 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት :830 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት  4:00 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና  ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ክዉስክ ንይክእልእዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊይ ኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::

 

 

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo