ኤጀንሲ ልምዓት ኣብያቲ ከልል ትግራይ አብ መቐለ ንዝርከብ ቤት ዕዮና ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት /ኮምፒተር ፕሪንተር ስካነርን/ ከምኡዉን ንዘለዋና ዓበይትን አናአሽቱን መካይን ናይ ጋራዥ ግልጋሎት ንምርካብ ንተጫረቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለሊይ ቐፅሪ /TIN/

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ / VAT / ዝተመዝገብኩም መዃንኩም

5 ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓ/ም ወርሓዊ ዲክላራሲዮን

6 ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገብሉ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ አለዎም

7 ንግልጋሎት ጋራዥ እዉን ናይ ጋራዦም ደረጃ 3ን ልዕሊኡን ንምዃኑ ብቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንስፖርትን ዝተወሃበ ናይ ደረጃ መረጋገፂ ወረቐት ከቕርቡ አለዎም

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 05/04/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ኣትሒዞም ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 14 ምርካብ ይኽእሉ 

9 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ

  • ናይ ጋራዝ ግልጋሎት ዕለት 20/04/2008 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይክፈት
  • ናይ ኤሌክትሮኒከስ ኣቑሑት ዕለት 20/04/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይክፈት

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና 4,000 (አርባዕተ ሽሕ ብር ) ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብ ሲፒኦ  ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ ኣለዎ

10 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዘተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ/ስልኪ ቁፅሪ 0344418515 ወይ ድማ 0344418514 ምሕታት ይካኣል

ኣድራሻ ሮማናት ሙዚቃ ቤት ወይ  ታደሰ ሓጎስ ህንፃ ፊትለፊት

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo