ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ አስገደ ፅምብላ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ዋንነቲ ናይ ወረዳ አስገደ ፅምብላ ሕርሻ ገጠር ልምዓትን ዝኮነ ብፕሮጀክት ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ማለት እዉን DRDIP ከምኡዉን ናይ ሕ/ሰብ ኣስተዋፅኦ በጀት ድጋፍ ካብ ጣብያ ሕፃፅ ናብ ቁሸት ማይ ፀፀር ብናይ ይራብ ስታንዳርድ ሓዊሱ 7ተ ሜትር ጎኒ 7.4 ኪ/ሜ ንዉሓት ዘለዎ ሓዱሽ መንገዲ ንምስራሕ ብሰዓት ብናይ ኮንስትራክሽን ማሽን መቅረባይነት ፍቃድ ስራሕ ዝተዋፈሩ መቅረብቲ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ስራሕንግዲ ፣ ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግዲ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር፣ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ወረቀት ምስክር ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ

2 ኩሉ ዝተተሓዘ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ስራሕ ቅድመ ክፍሊት ማለት እዉን Advance Payment ዘይወሃብ ምካኑ ፈሊጡ ክወዳደር ኣለዎ

4 ክፍሊት ብዝምልከት ብዉዕሊ መሰረት ናይ ዝሰርሖ ስራሕቲ ሰዓታት እናተተሓዘ ብዝመልኦ ናይ ሓደ ዋጋ ተራቢሑ ዝክፎሎ ይከዉን

5 ተወዳደርቲ ናይ ዝወሃቦ ዋጋ ፕሮፎርማ 30 መዓልቲ ዝፀንሕን ዘይቅየርን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

6 ሰዓራይ  መቅረባይ ዉዕሊካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ መዓልታት ዘለዎ ማሽን ማለት እዉን ዶዞር ግሬደር ሻወር ትራከርን ሮለርን ናብ ወረዳ ኣሰገደ ፅምብላ ጣብያ ሕፃፅ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ከቅርብ ኣለዎ ሰዓት ምሓዝ ዝጅመረሉ ድማ እቲ ሰዓራይ ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ዕለትን ሰዓትን ጀሚሩ ይኸዉን

7 ሰዓራይ ዝከነ ወይ ድማ መቅረባይ ኩሉ ዘድሊ ናይ ማሽን መንቀሳቀሲ ኦፕሬተር ሓጋዚ ኦፕሬተር ነዳድን ቅብኣትን ወፃኢ ሸፊኑ ፅሬት ዘለዎ መንገዲ ይሰርሕ

8 ዉሕስና ፕሮፎርማ ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ስፒኦ 15000.00 ቅርሺ ናብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ተባሂሉ ክፃሓፍ ኣለዎ

9 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ናይ ዋንነቱ ናይ ኣስገደ ፅምብላ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ገጠር ልምዓትን ዝኮነ ብፕሮጀክት ልምዓት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ማለት እዉን DRDIP ካብ ጣብያ ሕፃፅ ናብ ቁሸት ማይ ፀፀር ሓድሽ መንገዲ ንምስራሕ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 65 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም

10 ተወዳደርቲ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዓዝያን ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ምዕባለ መንገዲ ዝተዳለወ ሰነድ ፕሮፎርማ ብነፃ ካብ 27/04/2012ዓ/ም ምዉሳድ ይክእሉ

11 ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ፕሮፎርማ ዋናን 2ተ ቅዳሕን  ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ ኩሎም ፖስታታት ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሸም እቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ከቅርቡ ኣለዎም

12 ፕሮፎርማ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሓሉ ካብ 27/04/2012ዓ/ም ክሳብ 08/05/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ

13 እቲ ፐሮፎርማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 08/05/2012ዓም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ 8፡30 ይክፈት

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረጺ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 46 61 03 89

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo