ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2008 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ዓድዋ ማእከል መንገዲ ዝርጋሐ መብራህቲ ፓሎ ንምስራሕ ስለዝደለየ ደረጃ 7 ልዕሊኡን ዘለዎም ናይ ኤለክትሮመካኒካል ኮንትራክተራት ኣወዳዱሩ ብተኮናተርቲ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዓድዋ

ብመሰረት እዚ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ዘክእሎም ስዒቦም ዝዝርዘሩ ረቀሕታት ኣማሊሎም ሰነድ ክገዝኡ ይግባእ

  1. ናይ ኤለክትሮመካኒካል ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ተኮናተርቲ ዝኮንኩም ናይ ደረጃ ትካል ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  2. ዝተሓደሰ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ምዝገባ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክላራሽን ወይድማ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ተወሳኪ ቲን ነምበር ዘለዎምሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕ ኣማሊኦም ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. እቲ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 150 መዓልቲ ንተከታተልቲ መዓልትታት ዛዚዞም ከረክቡ ይግባእ
  5. ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋን ኣብ ተራ ቁፅሪ ሓደ ዝተገለፁ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕ ሰነዳት ናይቲ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ነፍስወከፍ ፖስታ ብምፅሓፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግን ዋናን ቅዳሕን ዝገልፅ ኣብቲ ፖሰታ ብምፅሓፍ ሰለስቲኡ ፖሰታ መሊሶም ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብመዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 25 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ናይ ንግሆ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ
  6. ኩሎም ዕዱማት ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 25 ታሕሳስ 2008 ዓም ካብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣድላዩ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ እዮም
  7. ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ወይድማ ፌደራል ኤጀንሲ ዕደጋን ንብረትን ዝወሃብ ናይ መቅረባይነት ምሕዳር ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ከቅርብ ይግባእ
  8. ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይአዛብዑ ከምቲ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም
  9. ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓት ዝተዛበዐ ናይ ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ
  10. እቲ ጨረታ ኣባላት ተጫረቲ ማሕበርን ኮንትራክተራትን ብኣካል ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 25 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 3፡ 30 ናይ ንጉሆ ኣብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ከተማ ዓድዋ ይክፈት ኮይኑ ግና ኩሎም ተጫረቲ ብዘይምርካቦም  ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጋጎልን
  11. ድሕሪ ጨረታ ምዕፃዉ ዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ሰነድ ተቀባልነት የብሉን
  12. ተጫረቲ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ንጨረታ መክበሪ ሲፒኦ 25,000 ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም
  13. ፍትሓዉነት ኣብ ተመሳሳሊ ስረሕ ዝተዋፈሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂተነስትዮን መዕረ ክፍሊ ክከፍል ዝክእል
  14. ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ  እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትርክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ብኣካል ብምምፃእ ወይድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914787894 ወይድማ 0347711342 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo