ማ/ተ/ሰ/ትግራይ ኩሓ መለስ ካምፓስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንጽርየት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፋላለዩ ናይ ጽርየት ኣቁሑት ብግልጺ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።

ቢሮ ማይን ኢነርጀን ክልል ትግራይ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊፆም ዘለው ናይ ፅሬት አቑሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፡ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ላጪ ጥዕና ጣቢያ ንዘለዎ ናይ ፅሬት መሳርሒ ፀገም ንምፍታሕ ኦም ካብ ዘለዉ ሕጋዊያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይዲ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ን ፅሕፈት መሳርሒ፤ፅሬትመሳርሒ፤ንኣናእሽተይ ናይ ቢሮ ንብረትን ቅ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ መኮኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤትፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት፥ ኤሌክትሮኒክስ ፥ ናይ ተሽከርከርቲ መኪና ጎማ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑትን ፥ ናይ ፈርኒቸር ኣቑሑት፥ ፅሬት ኣቑሑን ንፈልሲ ዝኸዉን ዘርእታት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ፋይናንስ ወረዳ እምባ ኣላጀ ነቲ ወረዳና አገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኮምፒተርን ተዛመድቲ : ከምእዉን ስራሕቲ ሕትመት: ፅሕፈት ኣቅሑት : ኣቅሑት ፅሬትን : ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ መቐለ ንናይ ቤት ፅሕፈትና ጎዳጎድ ፀረጋ ዘገልግል Foam (Borehole Cleaning detergent )ተዓዲጉ ንክቐርብ ብደ.ቁ 21056 ቐ/መ/ማይ ዕለት 22/5/2016 ዓም ብኣዉራ ከ/ስ/ትካላት መስተ ማይ ብዝቀረበ ሕቶ ዕድጊት መሰረት ንምዕዳግ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕደር ፋይናስን ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ኣብ 2016 በጀት ዓመት ካልኣይ ዙር ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ኤሌክትሮኒክስን ብምድብ መቂሉ ማለት እዉን ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት : ምድብ ክልተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ምድብ ሰለስተ መሳርሒ ፅሬት : ምድብ ኣርባዕተ ሞተር ሳይክል : ምድብ ሓሙሽተ ናይ መኪና ኣቅሑ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕደር ፋይናስን ከተማ ማይ ጋባ ኣብ ቤት በጀት ዓመት 2016 ዓም ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት እዉን ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር : መሳርሒ ፅሕፈት : ካልኦት ሃለቅቲ ኣቅሑትን ኣቅሑት ፅሬትን ካብ ዝምልከቶም ሕጋዊያን መቅረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንምምሃር ምስትምሃርን ንካልኦት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ወይ እዉን ማኒፋክቸሪንግ ኮንስትራካሽን : ዋተር ቴክኖሎጂ : ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ: መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት አዉቶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም