ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ብበጀት ዓመት 2011ዓ/ም ናይ ተምሃሮ መቀመጢ ወንበርን ጠረጴዛን ፣ናይ መምሃራን ሎከርን ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክፅግን ይደሊ፤

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ሆቴል ማናጅመንት፣ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ/ክፅግን/ ይደሊ፤

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ናይ ዕገና ኤሌክትሮኒክስ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ናይ ማይ መፃረይ መሽን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክፅግን ንደሊ፤

መቐለ ሆስፒታል ፍርጅ ፅገና ንምፅጋን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከፀግን ይደሊ።

ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ነቲ ኮሌጅ ከገልግሉ ዝክአሉ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት መሳርሒ ፅሕፈት፣መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ናውቲ ትምህርትን መለዋወጢ ኣቅሑት ስፌት ማሽንን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንትን ምርግጋፅ ምግቢ ውሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ተዛመድትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ን2011 በጀት ዓመት ዓመታዊ ውዕሊ ብምእሳር ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንቲ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ንበጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ጨረታ ሰዓራቲ ምስዝኾኑ ትካላት ውዕሊ ኣሲ ሩዕደጋ ከካይድ ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኣክሱም ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ን 2011 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቐሑት :ናይ ቢሮ ኣቅሑት ንምግዛእን ንምፅጋንን፣ ናይ ፅሬት ኣቑሑት: ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መስተታት፣ ዝተፈላለዩ ጨርቅታት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደሪያን ንምግዛእን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ንምፅጋንን ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ምሕታምን ስለዝደለየ ንሕጋዊ ነጋዶ ክጫረቱ ይደሊ ።

ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቑሑት መሳርሒ ህንፃ፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ፣ኣቑሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፣ናይ መኪና ጎማን ባትርን፣ኣቅሑት ፅሬት፣ መጓዓዓዚ ደረቅ ፅዕነትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ኣገልግሎት ክረክብን ክዕድግን ስለዝደለየ በቲ ዘፈር ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።