ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ወረዱ ንዘለዋ አብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ኮምፒተርን ኣቅሑት ኮምፒተርን፣ መጋውሒ ድምፂ፣ መቅድሒ ምስሊ፣ መቅረፂ ቪደዮ ካሜራን፣ ኣቅሑት መለዋወጢ ሞተር ሳይክልን ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ ኮምፒዩተር ፕሪንተር ቀለም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ከምልእ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ንሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኮምፒዩተር ኣቅሓ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን አለማጣ ንትካሉ ንምምሃር ምስትምሃር ኣገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ኣቅሑት ቢሮ ማለት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝስራሕ ናይ ተምሃሮ ወንበር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ንስራሕቲ ግራፊክስ ዝኾና 20 ኮምፒተራት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረት ንክትጫረቱ ንዕድም።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት 1 ናይ ሕትመት ሰራሕቲ፣ ሎት 2 ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቅሑትን ፣ ሎት 3 ጎማ መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ክዕድግ ይደሊ።

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርት ክልል ትግራይ ላፕቶፕ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንክተወዳደሩ ንዕድም።

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ምድብ 1- ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ላፕቶፕ፣ ዲስክ ኮምፒዩተር ፣ ምድብ 2 ናይ ምርምር መሳርሒ ኣቅሑት (poultry Equipment) ፣ ጀነሬተር በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሓንቲ ሚኒ ላፕቶፕ ክገዝእ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ስፖርት ዕጥቂ፣ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክንገዝእ ይደሊ።