ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈተ ማይን ኢነርጅን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ንዝስራሕ ፅገና ሴት ናይ ሓበራዊ ዒላ ንምስራሕን ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ካብ ደረጃ 5ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ክትጫረቱ እንትዕድም ንማእከላይ ጎዳጉዲ ማይ ድማ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ደረጃ 3ን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም

ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቀርን /ደደቢት ትፈልም/ ዝተፈላለዩ ናይ ክረሽራት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ነዚ ዝስዕብ ረቋሓ ተማልኡ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ንገልፅ

ኢንተርፕራዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካበዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ FSR መለዋወጢ ኣቅሓ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ሰለዝደለየ

አብ አጎላዕ ዝርከብ ናይ ቴሌቶን ኮሚቴ ካብ ሕሰብ ዝኣከቦ ገንዘብ ተወሳኪ ህንፃ አብ ኣጉላዕ ከተማ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ተደሊዩ ኣሎ በዚ መሰረት አብ 2008 ዓ/ም ጠቅላላ ሰረቱን ናይ መጀመሪያ ሶላታ/slab/ ምስ መወዳእታ ስራሕቲ(finishing) ንመጀመሪያ ከስርሕ ይደሊ

ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን 2008 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ብርክት ዘበሉ ቀወምቲ ኣቕሑት፣ ኤለክትሮኒክስ ከምሰርቪስ ፣ ኮምፒተራትን ላፕቶፕ: ፕሪንተራት ፣ ቢመር ዝአመሰሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደለይ ስለዚ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቁሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም::

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ጣብያታት ጥዕና ስራሕቲ ስላብ ሞልድን ንስራሕቲ ብረት ማዕፆን መስኮትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲጉዶም ኣብ 2008 ዓም ናይ ኮሌጅና በጀት ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፡ናይ ኤለክትሪክ አቁሑት ፡ናይ ህንፃ መሳርሒ ፡ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣትክልትን ፍረምረን፡ ፃዕዳ ጣፍ ፡ዓይኒ ዓተር ፡ ዝተፀፀየን ዘይተፀፀየን ብርሽን ፡ዘይተፀፀየ ዛላ በርበረ፡ ኣፋዉስን ፡ናዉቲ ሕክምናን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ኢያሱ በርሀ ከተማ አላማጣ ንግልጋሎት ቤት ትምህርቲ ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ናይ ቤተ ፈተነ ኬሚካላትን ኣቁሑትን፣ ናይ ቤተ ንባብ መፃሕፍቲ ፣ናይ ስፖርት ዕጥቂ ፣ናይ IT ኣቁሑት ኣጫሪቱ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ክገዝእ ስለዝደለየ እዚ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብናይ መደበኛ በጀት ንቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ኣብ ጣብያ ማይ ነብሪ ወይድማ ከተማ ማይ ነብሪ ናይ ማይ ካዕቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ