... bles) ፣ ኣብ 3ይ ፍሎርን 6ይ ፍሎርን ህንጻ ይሓ ሲቲ ሰንተር ዝርከብ ዓይኒ ምድሪ (toilet) ንኣካል ጉዱኣት ብዝጥዕም መልክዑ ንምምሕያሽን ንምጽጋንን ደረጃኡ ብዝሓለወ ህንጸት ብስራሕ ተቋረጽቲ(contractors) ኣወዳዲሩ ከስርሕ ወሲኑ ኣሎ።

ፋብሪካ መሰቢ ስሚንቶ መክዝን ከስርሕ ስለዝደለየ ኣብዚ ሞያ ዝተዋፈረኩም ካብ ደረጃ 1 ክሳብ ደረጃ ፈቃድ ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

ምምሕዳር እቶት ልምዓት ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕድጊት ወረዳ ኣስገደ ኣብ ናይ 2016 ዓም ካብ ተመዛበልቲ ምምላስን ልምዓት ፕሮጀክት ምዕራፍ ክልተ ኣብ ዝተመደበ በጀት ዓመት ኣብ ወረዳና ንዓውዲ ንፀሩ ልምዓት ሕርሻ ልምዓትን ግብኣት ኮይኑ ዘገልግል መጋዝን ወይድም መክዝን ዝዉዕል እታዎት ብጨረታ ፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክሃንፅ ይደሊ

ቤት ፅ/ት ል/ም/እ/ምም/ር/ፋይናንሰ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ንወረዳ 2 ኣውላዕሎ ንቤት ፅሕፈት ጥዕና ግልጋሎት ዝውዕል ካብ UN- Excome_WASH ዝተልኣከልና ባጀት መሰረት ሰላፕ ናብ 13 ጣብያታት ምሰ መፅዓኒኡን መረገፊኡን ትራንሰፖርት ሓዊሱ _ ብፕሮፎርማ / shopping method / ኣወዳዲርና ክንዕድግ ሰለ ዝደለና ኣብ እዚ ዘርፊ ዘለኩም ሕጋዊ ነጋዶ ንክትዋዳደሩ በዚ ምክልታ ፕሮፎርማ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ ማይ ከተማ መቐለ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም እቲ ቤት ፅሕፈት ጉድጎድ ማይ ኮዕቲ ኣብ እግሪ ወንበር ከኩዕት ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ ብናይ ፕሮጀክት ልምዓት ምላሽ ፅዕንቶ ስደኛታት ምዕራፍ ክልተ ማለት እዉን ዲኣር ዲኣፒ ክልተ ብዝተረከበ ድጋፍ በጀት መሰረት ኣብ ጠብያ ሰደር ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ሐደ ብሎክ በዓል ኣርባዕተ መምሃሪ ክፍሊታት ብህድም ከስርሕ ስለዝደለየ ደረጃ 8 ልዕሊኡን ብስራሕቲ ህንፃ ኮስትራክሽሽ ማለተ እዉን BC ወይድማ ብስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን መንገድን ማለት GC ፈቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንትራክተራት ወይ ተጫረቲ ኣወዳዲሩ በቲ ዝተዳለወ ዲዛይንን እስፐስፊኬሽንን ሙሉእ ህንፀቱ አብ 2016 ዓም ክፍፅም ይደሊ

ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ብናይ DRDP 2 ዝክፈል ካብ ጣብያ ዝባን ገደና ፀረጋ ናብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝወስድ ምስፍሕፋሕ መንገዲ ማለት እዉን ሰረቪሲንግ ሐድሽ ፎርች ምፅጋን ድችን ደጋዊ መንድቅን ከስርሕ ስለዝደለየ ብጠቅላላ ኮንትራክተር GC ወይ ሮድ ኮንትራክተር RC ፈቃድ ንዘለዎም ትካላት ንግዲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ተካረይቲ ሴፕትክ ታንክ/Septic tank/ን ኣብ 1ይ ወያነ ዝርከብ ቤሮ ፅገናን ስራሕቲ ዘፈር ኮንስትራክሽን ንምስራሕ ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ብደረጃ ዓሰርተBC-10 ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት / GC-10 ብደቀቕትን ንግዲ ትካላት ብርኪ ፍቓድ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ራብዓይ ደበሪ ዝረከብ ህንፃ ናይ ብርሃን መእተዊ ቆርቆሮን ተመሳሳሊ ሕድሳትን ክገበረሉ ስለዝደለየ ኣብዚ ሞያ ዝተሳተፈኩም ክብ ደረጃ ሐደ ክሳብ ሓሙሽተ ፍቃድ ዘለኩም ትካላትን ነዞም ሲዒቦመ ዝዝርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡን ክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

ቢሮ ማይን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ካብ ፊደራል ብዝረከቦ በጀት ንዝተፈላለዩ ወረዳታት አግልጋሎት ዝዉዕል ሳፕ መርሲቪል ፓምፕ ቀረብን ተከላን ምስ መገጣጠሚኡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ