ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈት ማይን ማአድንን ኢነርጅን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ናይ ሓባር ዒላ ማእከላይ ጎዳጉዲ ንምስራሕ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ካብ ደረጃ 5ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ስለዝደሊ ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ኣብ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ካናለ ፍልፍል ምዕባለ : ቅብብሎሽ : ዘመናዊ ዳይቨርሽንን : ቸክዳማትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕን ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋዉያን ነጋዶ ወይም ኮንትራክተራት ንክትወዳደሩ ይዕድም

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ናይ ህነፃ መሳርሒ ናይ ላብራቶሪን ኬሚካልን መሳርሒታት ን 2008 ዓም ብመደበኛን ምርምር ስርፀትን በጀት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብስሩዕ በጀትን ናይ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ስራሕቲ ማይ ኣብ ጣብያ ዓዲ መስኖ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዓዲ አብ በጀት ዓመት 2008 ዓም ንአብያተ ትምህርቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፈርኒቸር ንናይ ደገ መብራህቲን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ማለት

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ ምብራቅ ን 2008 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ናዉቲ ፅሬትን፣ ካልኦት ደቀቅቲ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ንናይ ኢንተርኔት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሓ Router 1941 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልእዎም ዝግባእ