ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ስራሕ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ

ሆስፒታል ሱሑል ን 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ፣መሳሪሒ ፅሕፈት : ኣቁሑት ፅሬት : ኣቁሑት ኤሌክትሪክ : ሕትመት : ናይ ማይን መገጣጠሚን ንብረታት፣ ዝተፈላለዩ ዓለባ ደንቢ ልብሲ : ንተሓከምቲ ምግቢ ምቕራብን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት እናሃባ ዝርከባ ፎቶ ኮፒታት ሕፅረት ስለዘሎ ካብ ደገ ናይ ፎቶ ኮፒ ግልጋሎ ንምርካብ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዓመታዊ ዉዕሊ ክኣስር ስለዝደለየ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም

ንኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፣ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ጀነሬተር ኣቁሑት ፣ ሕትመት ፣ ባትሪን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጄንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ናይ ሕተመት ስራሕቲ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከሕትም ይደሊ

ማሕበር ባህሊ ትግራይ መፅሓፍ ታሪክ ኢትዮዽያ ከሐትም ይደሊ ብመሰረት እዙይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘንታት እተማልኡ አሐተምቲ ንክትወዳደሩ በዚ ምልክታ እዚ ንዕድም

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚ ዘበን ንዝክበር ባዓል ኣሸንዳ 2011ዓ/ም ምክንያት ብምግባር ፖስትካርድን ፣ ብሮሸርን ከሕትም ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ንዞባ ደቡብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅ/መሳርሒ ፣ ኣናእሽቱ ኣቁሑት ፣ ፅሬትን ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘርፊ ማሕበራትን መቐለ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኣባላት መለለይ መንነት ክሕተም ወይ ክስራሕ ይደሊ ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዘለዉ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ኣብያተ ሕትመት ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባኣላጀ ንኣጎልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት ወረዱኡ ዘገልግሉ ናይ ኮምፒተርን ተዛምድቲ ኣቁሕትን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣቁሑት ቢሮ ናይ ስፖርት ዕጥቅታት መለዋወጢ ኣቁሑት መካይንን ናይ መኪና ጋራዥ ኢድ ሞያ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ እቲ ጨረታ 3/12/2011ዓ/ም ክሳብ 20/12/2011ዓ/ም ዘይምለስ 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ንብረትን ዕደጋን ፋይናንስን ብምዉሳድ ንክጫረቱ ብክብሪ ንዕድም