ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ኮረም ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝረከቡ ከይዲ ስራሕ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ቱቦን መገጣጠሚን ቆፃሪትን ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ናይ ቢሮ ኣቑሑ ፈርኒቸር፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ካብ ዘለዎ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንናይ ቤት ፅሕፈትና ዝዉዕል ቱቦታት ማይ ምስ መገጣጠሚን ቆፀርትን ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ::

ኣግበ ቴክኒክን ሞያን መሰልጠኒ ማእከል ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ሞያታት ኣብ ምስልጣን ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፤ ናይ ኤሌክትሪክ ኢንስታሌሽን መሳርሒታት፣ ፅሬት መሳርሒታት፣ ናይ ዝርገሐ ማይ መሳርሒ፤ ናይ ኮንስትራክሽን /ህንፃ/ መሳርሒታት፤ናይ ምግቢ /ሱፐር ማርኬት/ ቀረባት፣ ኮስሞቲክስን ፤ጨርቃ ጨርቅን መሳርሒታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ንመስመር ማይ ፅገና ናይ ባንባ መቀያየሪ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ካብ ፕሮጀክት ልምዓት ምንካይ ተፅዕኖ ስደተኛታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ (BRDIP) ዝተረኸበ በጀት ብማሕበረ ሰብ ዝምራሕ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዝርከባ ጣብያታት ማይ ዓይኒ፣ ማይ ኣንበሳ፣ ማይ ተክሊት፣ ውህደት መድሃኒኣለም ሓድነት፣ ሓየሎምን መብራህቶም ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ህንፃን ሓድሽ ንዝስራሕ ናይ ምዝርጋሕ ማይ መስመር ስራሕቲ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ማለት ናይ ማይ ቡንባ መለዋወጢ ኣቅሑት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጂን ወረዳ ዓድዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ምጉዕዓዝ ከባብያዊ ማተሪያል እምኒ፣ ሑፃ፣ ጃህያን ሲሚንቶን : ከምኡውን ካዕቲ ማይ ማእኸላይ ናይ ጎዳጉዲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ከጎዓዓዝን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎመከዳ ከተማ ፋፂ ቱቦን መገጣጠሚ ቱቦን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት አገልግሎት መስተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ንዝርገሐ ማይ ዘገልግል ትቦታትን መገጣጠምን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንናይ ወረድኡ ኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መካይን ፣መሸጢ ኣቅሑት ስራሕቲ ማይ ፣ መሸጢ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ ፣ መጎዓዝያ ደረቅ ፅዕነት : ናይ ማእኸላዎት ጎዳጉዲ ማይ ዃዕቲ፣ ብናይ ማይ ማዕድን ኢነርጂን ብስሩዕ በጀት ዝኸፈል ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ግልጋሎት ክረክብን ይደሊ።

ማሕበራዊ ረደኤት ትግራይ (ማረት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ቱቦ መገጣጠሚ ኣቅሑት (Different shape of HDPE pipe) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።