ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ መምርሒ ት/ፋይናንስን ነቲ ቤት ፅሕፈት ግጋሎት ዝውዕል ናይ መካይን ፅገና ጉልበት ዋጋ ን 2012 በጀት ዓመት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክፅግን ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ናይ ሴክተራት ፅገና መኪና ጉልበት ኢድ ዋጋ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይተሽከርከርቲናይ ኢድ ዋጋ ጎሚስታ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ናይ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቃሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክታሳተፉ ትክእሉ

ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይናነስን ቀፆሎም ዝተዘርዘሩ ኣቁሐት 1 ናይ መኪና መለዋወጠ ኣቁሐት 2 ናይ መኪና ላቫጆ 3 ጎሚስታ ግልጋሎት 4 ሕትመታት /ባጅን ጠረዼዛን ማይካን / ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ፣ በዚ መሰረት ንታሕቲ ዝቐረቡ ረቓሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ወረዱ ንዘለዋ አብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ን2011 ዓም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኣናእሽተይ ኣቅሑት ቢሮ : ኣቁሑ ፅሬትን : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን : ናይ ፅገና ጉልበት መለዋወጢ ኣቅሑት ኣናእሽተይ መኪና : ናይ ሞር ሳይክል ጉልበት ፅገና : ስፖርትን ዕጥቅን ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከዕድግን ይደሊ

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንስልጠና ግልጋሎት ዝዉዕል ብዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር 1 ናይ ኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ናይ ምግቢ ቀረብ ግልጋሎት 2 ናይ ሕክምና ናዉቲ መሳርሕታት 3 ናየ ተሽከርከርቲ መኻይን 4 ናይ ሞተር ሳይክል 5 ናይ ጀነሬተራትን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ኢድ ሰብ ሞያ ጋራዥ ፅገናን ሰርቪስን ንምክያድ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት እናሃባ ዝርከባ ተሽከርከርቲ ዝጠቀማሉ ጎሚስታ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዓመታዊ ዉዕሊ ክኣስር ስለ ዝደለየ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንዘለዎኦ ተሽከርከርቲ ዘድሊ ናይ ሕፅበት /ላቫጆ/ ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርት እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባኣላጀ ንኣጎልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት ወረዱኡ ዘገልግሉ ናይ ኮምፒተርን ተዛምድቲ ኣቁሕትን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣቁሑት ቢሮ ናይ ስፖርት ዕጥቅታት መለዋወጢ ኣቁሑት መካይንን ናይ መኪና ጋራዥ ኢድ ሞያ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ እቲ ጨረታ 3/12/2011ዓ/ም ክሳብ 20/12/2011ዓ/ም ዘይምለስ 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ንብረትን ዕደጋን ፋይናንስን ብምዉሳድ ንክጫረቱ ብክብሪ ንዕድም

ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱትሪን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል 1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ ፅገና 2 ናይ መኪና ሕፅበት ላቫጆ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎረማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ስለዝድለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ እዚ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ