ቤት መዘጋጃ ከተማ ኮረም ከ/ስ/ዕ/ፋ/ም/ን ንቤት ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ኣቅሑት ኣብ 2013ዓ/ም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ 1 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ 2 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ 3 መለዋወጢ ኣቅሑት ፣ 4 ኣቅሑት ፅሬት ፣ 5 መኪና ሰርቪስ ንምግባር

ቤት መዘጋጃ ከተማ ድብድቦ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ መብራህቲ ናዉቲ ኣቅሓ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ስራሕቲ ፈርኒቸር /ጣዉላ/ ፅሬት መሳርሒ ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከቶኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ልምዓት ፋይናንስ ወረዳ ጭላ ኣብ በጀት ዓመት 2013ዓ/ም ናይ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናዉቲ ፅሬትን ስራሕቲ ሕትመትን ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ብጥበብ ሙዚቓ ንዝነጠፍ ከየንቲ ትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝተፈላዩ ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቓ ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ማሕበር ደ/ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀ/ወያነ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ማሕበርና ዝኮነ ብሴቶች ቤት ብልዒ ዝፍለጥ ብደቡብ መንገዲ ብምዕራብ ኣስፋልት መንገዲ ዝዋሰን ጎኒ ሚላኖ ዝኮነ ዘሎዎ ክፈቲ ቦታ ስፍሓቱ 3249ሜ2 ዝኮነ ብግዝያዉነት ሰሪሖም ንባህላዊ ኣዳራሽ ቤት ብልዒ ፣ መናፈሻን ተዛመድትን ንግዲ ግልጋሎት ሰሪሖም ክጥቀሙ ንዝደልዩ ስራሕቲ ን 3 ዓመት ክተካሪ ስለ ዝደለየት ንተጫረቲ ትዕድም

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዉራ ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ማለት እዉን ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መለዋወጢ አቅሑት መኪናን ጎማ መኪናን ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ማይጋባ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ሱሩዕ በጀት ኣብ ከተምኡ ንዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናዉቲ ፅሬት ፣ ካልኦት ሃለቅቲ ንብረታት ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ጎማ ፣ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናዉቲ ፅሕፈትን ፣ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንቤት ፅሕፈት ኣጎልገሎት ዝዉዕሉ፣ ሎት1 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ሎት2 ኣቅሑት ፅሬት ፣ሎት3 ኤሌክትሮኒክስ ፣ሎት 4 ኣቅሑት ጎማታት መኪና፣ ካብሕጋዉያን ነጋዶ ብመደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን እንዳባጉና ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ብመንግስቲ ዝተመደበ ሱሩዕ በጀት ንዝተፈላዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናዉቲ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ ፣ ናዉቲ ሓፂነ መፂን፣ ኣቁሑ ኤሌክትሪክ፣አቁሑት ሳኒተሪ ኢንስታይሌሽን ፣ ናዉቲ ዳህሳስ ፣ ክራይ ሰርቪስ መኪናን፣ ናዉቲ ሞተር ሳይክልን ሳይክልን፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳርን መጓዓዝያን ወረዳ ናዕዴር ከይዲ ስራሕ ህንፀትን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፃ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝኮነ ኣብ ዘባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ጣብያ ተርገይ ዝርከብ ኣብ ጥዕና ጣብያ ዝርከብ 1 ብሎክ ኤምሲኤች ዋን ንምስራሕ ኣብ መላአ ትግራይ ትርከቡ ብደረጃ 8ተ BC /GC ብርኪ ፈቃድ ኣናእሸተይ ንግዲ ትካላትን ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ጨረታ ብተሳጋሪ ፕሮጀክት አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ