ጥላሁን ይግዛው ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ 2011 ንሆቴል ማናጅመንት ንስልጠና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ምግቢ ኣቅርቦት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ።

ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ንተምሃሮ ቀለብ ፓስታ፣ ማኮረኒ፣ ሩዝ፣ ማልማላታ፣ ኣስሊ ቲማቲም ወ.ዘ.ተ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ብመሰረት ዝተመደበሉ በጀት ኣብ ቤት ህንፀት ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ምግቢ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከመግብ ይደሊ።

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማእከል ህንፀት ዉቅሮ ንተሃነፅቲ ሕጊ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ውዕሊ ኣሲሩ ክምግብ ዝኽእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ።

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ሎት 1 ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ኽዳንን ጫማን፣ ሎት 2 መጋረጃታት፣ ሎት 3 ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅሬት ፣ ሎት 4 ዓራት፣ ሎት 5 ፀባ፣ ሎት 6 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ሎት 7 መለዋወጢ ኣቅሑት ተሸከርከርቲን ማሽናትን ፣ ሎት 8 ንፅገናታት ዝውዕሉ መፋትሕን ማሽናትን፣ ሎት 9 ዲስክ ቶፕ ኮምፒተራት፣ ሎት 10 GI ከምኡውን DCI ቱቦታትን መገጣጠምታትን ሎት 11፣ GI ከምኡውን GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን፣ ሎት 12 HDPE መገጣጠምታትን GI GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ህንፀት መቐለ ንሕጊ ተሃነፅቲ ን2011ዓ/ም ንዓመት ማይን መብራህትን ብመንግስቲ ዝኽፈል ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ዝደሊ ነጋዳይ ውዕሊ ክኣስርን ከምኡውን ሓደገኛ ሓፁርን ናይ ኤሌክትሪክ ንብረትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ንብረትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ንተሃነፅቲ ሕጊ ዝዉዕል ምግቢ ኣብ ዝህነፅሉ ቦታ እናቅረቡ ንዝምግቡ ሕጋውያን ነጋዶ ብሕጋዊነት ዝተወደቡ ማሕበራትን ኣጫሪቱ ንሐደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ይደሊ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 2ይ ዙር ዕደጋ ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት ጀነሬተር፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኮምፒተር ፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ደንቢ ኽዳን ፣ ሸቀጣ ሸቀጥ ጥረምረ ኣሕምልቲ ፍረምረ፣ ግልጋሎት ስፌት ዓለባ፣ ዕገና ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ምድላው ባልትና፣ ባኒን እንጀራን ብዝተፈላለየ ምድብ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ለምለም ካርል ሆስፒታል ማይጨዉ ንሆስፒታል ግልጋሎት ዝዉዕል ምግቢ፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ንሓደ ዓመት ብኹንትራት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከመግብ ስለዝደለየ፤