ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::

የትግራይ እርሻ ምርምር ኢንስቲትዮት

ምልከታ ግልፂ ጨረታ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረሩ ከምትኽእሉ ነፍልጥ::

ሎት 1 ናይ ምርምር ደርሆ እርባታ መሳርሒ ኣቑሑት

ሎት 2 ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ ኣቑሑት

ሎት 3 ናይ መኪና ጎማ ምስ ካላማደርያ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ንሎት 1 ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ንሎት 2 2000 ክልተ ሽሕ ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ሕዳር 2007 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 ተጫረቲ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዘዳለዎ ፎርሚ ብትካሎም ሽም ቃለ መሓላ ፈሪሞም ከቕርቡ አለዎም::

5 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጀናልን ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት : CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጀናልን ዶክመንተ ክተሓሓዝ አለዎ::

6 ሰነደ እቲ ጨረታ ኣበ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 20 / ዕስራ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

7 ተጫረቲ ኣበ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

8 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 27 /04 /2007 ዓ/ም እስካብ 13 /05 / 2007 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 13/05 2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 13/ 05 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዝተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

9 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኢዩ::

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo