ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2013ዓ/ም ናይ ቢሮ መኻይን ንምፅጋንን ሰርቪስ ንምግባርን ስለ ዝደለየ ደረጃ 4ተን 5ተን ፍቓድ ዘለኩም ጋራዥ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ መምርሒ ት/ፋይናንስን ነቲ ቤት ፅሕፈት ግጋሎት ዝውዕል ናይ መካይን ፅገና ጉልበት ዋጋ ን 2013 በጀት ዓመት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክፅግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ በጀት ዘመን 2013ዓ/ም ን ኣጋኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ / ቤት ፅሕፈት ምም/ር ከተማ መቐለ/ ናይ ሓለዋ /ጥበቃ/ ፣ ግልጋሎት ፅሬትን ኣብ ቤት ፅሕፈትና ፑል ግልጋሎት ዝርኸባ ኣናእሽተይ ተሽከርከርቲ ፅገና ግልጋሎት ዝዉዕል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ዓመት ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ኢንስትዩቲት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተፈላለየ ሞዴል ዘለዎን መኪና ፅገና ጋራዥ ናይ ጉልበት ዋጋ ንናይ 2013 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝፀንሕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከፀግን ይደሊ በዚ መሰረት ዝምልከቶኩም ሕጋዉያን ትካላት ንግዲ ዝኮንኩም ንክትወዳደሩ እናዓደምና ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 09 ምዉሳድ ትክእሉ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ሃገረ ሰላም ኣብ ከተምኡ ዝርከባ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ብደረጃ 4ተን ልዕሊኡን ብርኪ ዝርከቡ ጋራዣት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ምስ ሰዓራይ ክሳብ 30 ሰነ 2013ዓ/ም ዉዕሊ ኣሲሩ ክዕድግን ኣጎልግሎት ክረክብን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረትን ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኻይን ጎማ ስራሕቲ /ናይ ጎሚስታ ስራሕቲ/ ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ንሓደ ዓመትን ከምኩነታቱ ዝናዋሕን ዝቖረፅን ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዋ ናይ ዓበይትን ኣናእሽትን መካይን ጎሚስታ ስራሕቲ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክስርሕይደሊ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጣንቃምላሽ ኣብ 2013 በጀት ዓመት ንወረዳና ዘለዋ መኪና ንምፅጋን ናይ ኢድ ዋጋ ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ዘርፊ ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ ቤት ዕዮና ይዕድም በዚ መሰረት

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ስሩዕ በጀት ን2013ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ወረድኡ ኣብያተ ዕዮ ናይ መካይን መፀገኒ ጋራዥ፣ ናይ እስራት ቀለብን አወዳዲሩ ዓመታዊ ከፀግንን ከመግብን ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉለመከዳ ን2013ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ዝርከባ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞዴል ዘለዎን መካይን ሰርቪስን ፅገናን ንምግባር ግልጋሎት በዓል ሞያ ጋራዥ ንምቅራብ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞዴል ዘለዎን ሞተር ሳይክላት ፅገና ሰርቪስን ንምግባር ግልጋሎት በዓል ሞያ ጋራዥ ንምቅራብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ፎቶ ኮፒ ማለት አዉን ቅዳሕ ንክረክባ ናይ ፎቶ ኮፒ ግልጋሎት ንምቅራብ ከምኡ ድማ ኣብ ክልቲኤን ኣበያተ ፅሕፈት ፖሊስ ማለት እዉን ኣብ ወና ወረዳ ቤት ፅሕፈት ፋፂን ኣብ ኑኡስ ወረዳ ሰነያ ቤት ፅሕፈት ፖሊስን ብዝተፈላዩ ምክንያት ብገበን ተጠርጢሮም ንዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ቀለብ ንምቅራብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ