ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፅሬትን ፅበቃን ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሎደር ክራይ ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክንግልገል ስለ ዝደለና ዝምልከተኩም ከትወዳደሩ ንዕድም

ትካልና ማይጨዉ ስራሕቲ ፓርቲክል ኃ/ ዝተ /ዉ /ኩባንያ አብ እ /መኮኒ 2 ሳይት ዉለማን ኣብ ብሎክ ኦፍላ ሳይት ግራብቁፅን ብዶዞርን ኤክስካቫተርን ተጠቂሙ ጊዚያዊ መንገዲ / Access Road/ ንምፅራግ ዝደለየ እንትከዉን ኩነታት ናይቲ መንገዲ በብሳይቱ ድማ ከም ዝስዕብ ንምግላፅ ተፈቲኑ ኣሎ ኣብ ብሎከ ኦፍላ ክስራሕ ዝተሓሰበ መንገዲ ኮረም 16 ኪ/ሜ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ርሕቅ ዝርከቡ ኮይኑ እቲ ብዶዞር ዝፅረግ 5500 ሜትሮ ምኻኑን ብኤክስካቫተር ዝፅረግ ድማ 100 ሜትሮ ኮይኑ 2000 ሜትሮ ድማ ዝፅገን መንገዲ ኣለዎ ብተመሳሳሊዉን ኣብ ብሎክ እ/መኮኒ ዝስራሕ መንገዲ ድማ ካብ ከተማ ኮሮም ከባቢ 24ኪ/ሜ ናብ ኣንፈት ሰሜን ኮይኑ ካብ ኮሮም ናብ ማይ ማዕዶ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ይርከብ ናይዚ ዝስራሕ መንገዲ ንዉሓቱ ድማ 6750 ኮይኑ ከባቢ 200 ሜትሮ ድማ ዝፅገን መንገዲ ኣለዎ ስለዚ ትካልና ጠቅላላ ኣብ ክልቲኡ ሳይት 12350 ሜትሮ መንገዲ ንምፅራግ ስለዝደለየ ካብ 305 ንላዕሊ ናይ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዞር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ ስለ ዝኮነ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ ትደልዩ ናይ ዶዞር ማሽንን ኤክስካቫተርን ኣካረይቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ን 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ማይ ጨዉ ኣብ ዝርከብ ኩባንያና ወይ ድማ መቀለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ለፊት ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ብብር 100.00 ጨረታ ሰነድ ምግዛእ ትክእሉ ምካነኩም ንገልፅ

ትካልና ኢዛና መዓድን ልምዓት ኩባንያ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከባቢ ሜሊ ንዝሃነፆ ናይ ወርቂ መዓድን ግልጋሎት ትውዕል ማሽነርታት ብግልፂ ጨረታ ቁፅሪ MGP/030/2019 ኣወዳዲርና ንሽድሽተ (6ተ) ኣዋርሕ ክንካረ ስለዝደለና ብቅዓት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምክባር ደንቢ ከ/መቀለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሎደር ክራይ ግልጋሎት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ አወዳዲርና ክንገዝእ ንደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ እንደርታ ንዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ናይ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ እንደርታ አገልግሎት ዝዉዕሉ ዶዘር ክራይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ክተወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ አብያተ ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕል ክራይ ዶዘር ንምክራይን ዝተፈላለዮ ናይ ደን ዘርኢን መድሓኒትን ምግዛእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ዘፈራት ኣብያተ ፅሕፈት መንገድን መጎዓዝያን ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ካብ ኣራና ጣብያ ጎል መንቆሪዩስ ዝወስድ መንገዲ ንምፅራግ ይደሊ በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ካብ ዘለዎም መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ትካልና ማይጨዉ ፓርቲክል ቦርድ ኃ.ዝተ.ዉ.ል ኩባንያ ኣብ ወረዳ ኦፍላ ጣብያ ኪዳና ሳይት ግራብቁዕ ካብ ከተማ ማይጨዉ ንአንፈት ደቡብ 65 ኪሜ ወይድማ ካብ ከተማ ኮረም ንአንፈት ምዕራብ 23 ኪሜ አብ ዘሎ ሳይት ኮይኑ ጠቅላላ ዝስራሕ 6040 ሜትሮ መንገዱ ንምፅራግ ስለዝደለ ካብ 305 ንላዕሊ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዘር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረይ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ንአብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ አቁሑት መኪና መሳርሒ ህንፃ ክራይ ዶዘር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ

ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ንአብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ዜብራ ቀለም: ምሩፅ ሓመድ ምምራት(ዶዘር ክራይ): አትክልቲ :መነፃፀሪ ክብደት ሚዛንን: ነዳድን: ናይ መኪና ጎማን ባይሪን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም