ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ጣብያታት ጥዕና ስራሕቲ ስላብ ሞልድን ንስራሕቲ ብረት ማዕፆን መስኮትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

ትግራይ ክልል ጤና ቢሮ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
  2. ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  5. መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  6. መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ  ንስላብ ሞልድ 20,000 ቅርሺ ንስራሕቲ ማዕፆን መስኮትን 15,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ  ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ  ቁፅሪ ቢሮ 3 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
  8. እቲ ጨረታ ካብ 20 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ  ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 5 ታሕሳስ  2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
  9. ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
  10. ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ  ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
  11. ተጫራታይ  ብመሰረት ዝርዝር ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
  12. ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ  ስላብ ሞልድ ኣብ ዉሽጢ 45ን መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን  ዝክእል ኮይኑ ስራሕቲ ማዕፆን መስኮትን ዛዚሙ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልትታት ብቢ ወረድኡ ዝገጥም ክከዉን ኣለዎ
  13. ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
  14. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344400451 /0348409782 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo