ቢሮ ጉዳይ ደቂ አንስትዩ ክልል ትግራይ ዝጥቀመሎም ፅሕፈት መሳርሒታት ክዕድግ ስለዝደሊ ነዞም ዝስዕቡ ዘማልኡ ንክወዳደሩ ንዕድም

የትግራይ ሴቶችና ጉዳይ ቢሮ

1 አብቲ ጨረታ ክሳተፉ ዝደሊዩ ምልከታ ካበ ዝወፀሉ ዕለት 22/2/2008 ዓ/ም አብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 30 ብር ብምሓዝ ካብ ቢሮ ክወስዱ ይኽእሉ

2 ተጫረቲ ናየ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN መረዳእታ) ዘቕርብ VAT ተመዝገባይ ዝኾነ ናይ መስከረም ወርሒ 2008 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ

3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒታት 3000 ብር ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክቅርብ (ከትሕዝ) ዝክእል

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ መቅረብቲ ብቢሮ አብ ዝተዳለወ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ብምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ አበቲ ዝተገለፀ ጊዜ አብ ቢሮ ናብ ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይኽእሉ

5 ተጫረቲ ንዝሳሮም ንብረታት አበ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስሩ ይኽእሉ

6 እቲ ጨረታ ሕዳር 10/03 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሕዳር 10/03/2008 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት

7 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10% መኽበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

8 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕለዉ እዩ

9 አብቲ ትመልእዎ ጨረታ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ

10 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዝያ ከቕርቡ ዝክእሉ

11 ዕዳጋ ፋፃሚ አካል ጨረታ ሰዓራይ አበ ዝምረፀሉ እዋን ዝግባእ ኣቕሓ ወይ ግልጋሎት ዓቐን ከም ወይ ዋጋ ኣድላይነቱ ክሳብ 20% (ዕስራ ሚእታዊ) ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሳክ መሰል ዘለዎ ምኻኑ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ቑፅሪ ስልኪ 0344410504 ምጥቃም ይከኣል

 

 

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo