ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን 2008 ዓም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ቀወምቲ ንብረት ወይድማ ፈርኒቸር ፡ኤለክትሮኒክስ፡ ናይ ኤለክትሪክ ኣቁሑት ፡ጀነሬተር ፡ዓመታዊ ናይ ኣናእሽተይ መኪና ሰርቪስን ፡ትራክተርን ፡ዓመታዊ ናይ ሞተር ሳይክል ሰርቪስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ

የሽራሮ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን 2008 ዓም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ቀወምቲ ንብረት ወይድማ ፈርኒቸር ፡ኤለክትሮኒክስ፡ ናይ ኤለክትሪክ ኣቁሑት ፡ጀነሬተር ፡ዓመታዊ ናይ ኣናእሽተይ መኪና ሰርቪስን ፡ትራክተርን ፡ዓመታዊ ናይ ሞተር ሳይክል ሰርቪስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ

  1. ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም
  3. ናይ 2007 ዓም ግብሪ ዘመን ዝከፈልኩም
  4. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ  ዘሐደስኩም
  5. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  6. ኩሉ መረዳእታኩም  ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን
  7. ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም
  8. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 5,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  9. ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ
  10. ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ
  11. ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ10 % ክተትሕዙ እትክእሉን
  12. ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን ሰርቪስ ወይድማ ፅገና ንሓደ ዓመት ዉዕል ክትኣስሩ እትክእሉ
  13. ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይድማ ዕለት ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.1%  ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10%  እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ ከምዘለዎን
  14. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
  15. ሰነድ ጨረታ 22 ጥቅምቲ 2008 ዓም ክሳብ ሕዳር 10 2008 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም
  16. ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 10 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 10 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ይከዉን
  17. ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
  18. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149 0345500150  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo