1 ናይ 2007 /2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዓዉዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም
2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎ ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ/ም ሒሳብ ዝገበረሉን ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
3 ብመሰረት እዚ ዝተዳወ ዝርዝር ካብ ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
4 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ንፅሕፈት መሳርሒ :ኣቁሑት ኤሌክትሮኒክስ :መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ሞተርሳይክልን 5000 ቅርሺ , ንኣቁሑት ፅሬት : አቁሑት ሕተመት : ፅገና ሞተር ሳይክልን ኤሌክትሮኒክስን ናይ ጉልበት ዋጋ : ናይ ቀዋሚ ንብረት ወይ ከዓ ፈርኒቸር : ናይ ስፓርት ዕጥቅን : ናይ ዳያኑ ደንቢ ክዳን ወይ ከዓ ጋወን 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዙ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
5 ሳንዱቅ ጨረታ 13 መሰከረም 2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከበሉ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይክፈት እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተዳኣ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት
6 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ኣድራሻ : ወረዳ ጉሎ መከዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ.ቁ ስልኪ 0344340128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል