ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈት ሕርሻ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘርኢ አግራብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረቲ ንክትወዳደሩንዕድም
በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቁሓታት ተጫረቲ
-
በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ዘለኩም::
-
ናይ 2006 ዓም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
-
ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
-
ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
-
ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::
-
ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::
-
ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 30 ብር ( ሳላሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 05 ምዉሳድ ይከአል
-
ካብ 06/ 10 /2006 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ ክሳብ 20 /10/ 2006ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት አበ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::
-
እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ
-
እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::
-
ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ( መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል አሲሩ እቲ ንብረት ምጉዕዓዝ ይጅምር
-
ሰዓራይ አብቲ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉፅኢት እንተዘይ ኣሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ
-
እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/ 10/ 2006 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፂዩ ሽዑ ድ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕላቶም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለዉሉ ይክፈት::
-
ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን አጉዒዙ ዘቅርብ::
-
ኣብ እንዕድጎ ንብረት መጠን 20% ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና ::
-
ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
-
ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት አየቅርብን እንተይሉ እቲ 10 % ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን::
-
ናይ ዉዕሊ መዓልቲ እንተሓሊፉ ንብረት ዘረየረከበ በቢ መዓልቱ ነተን ዝተረፋ ንብረታት ኣታዊ ዘይገበረን ንብረት 1/1000 እናተቐፅዐ ከምኡ እዉን እትን ንብረት አታዊ ይገብር::
-
ናይዚ ዓመት ዝተኣረየን ካብ ነቀዝ ነፃ ዝኾነን ምስ ካልኦት ዓይነት ዘርኢ ዘይተሐወሰን ከቅርብ ዝክእል::